ጐራሕ ድሙን ዓሻ ከልብን
Solomon Abreha
Salim Kasamba

ሓደ እዋን ኣብ ሓደ ዓዲ ሓንቲ ጐራሕ ድሙን ዓሻ ከልብን ነይሮም ፡፡ እዛ ጐራሕ ድሙ ኣብ ሓደ እንዳ ሃፍታም ገዛ ፅቡቕ ትነብር ነበረት፡፡ እቲ ዓሻ ከልቢ ድማ ኣብ ደገ ይሓድርን ይውዕልን ነበረ፡፡

1

ሓደ መዓልቲ እቲ ዓሻ ከልቢ ነታ ጐራሕ ድሙ ሒዙ፤ 'ንስኺ' ሲ ከመይ ጌርኪ ኢኺ ኣብ ገዛ ውሽጢ ምስ ሰባት ትነብሪ? ፣ ኩሉ ዝብላዕ ድማ ትረኽቢ ዘለኺ?" ኢሉ ፤ ብሕርቃን ሓተተ፡፡

2

ወያ ጐራሕ ድሙ ብህድኣት፣ "ኣነ ምስ ሰባት ዝነብር ንጎሆ ተሲአ ገፀይ ስለ ዝሕፀብ ፣ ፍታነይ ኣብ ጉድጓ ድ ስለ ዝቐብር፣ ንፅህትን ፅርይትን ብምዃነይ ፣ ከምኡ ውን ዝብላዕ ንኽህቡኒ ኛው! ኛው! እናበልኩ ስለ ዝሓትት እዩ፡፡" ኢላ ፤ መለሰትሉ፡፡

3

"እሞ ኣነ ከምቲ ንስኺ ትገብርዮ እንተገበርኩኸ ኣብ ገዛ ምስኦም የሕድሩኒ ዶ? ፤ ምግበይ 'ዉን ብስነ-ስርዓት ይህቡኒ ዶ?" ክብል እቲ ከልቢ ሓተታ፡፡ ወያ ጐራሕ ድሙ ፣ "ከምቲ ኣነ ዝገብሮ እንተጌርካ ደኣ ምግብኻ ትረክብ፣ ኣብ ገዛ ድማ ትሓድር" በለቶ፡፡

4

ወዮ ዓሻ ከልቢ ፣ "በሊ ንሎምዓንቲ ምሒረኪ ኣለኹ" ኢሉ ሰደደ ፡፡ "ዋይ! እዚ ዓሻ ከልቢ'ኮ ሒዙ ውሕጥ ኣቢሉኒ ነይሩ ፡፡ ድሕሪ ሕዚ ንሱ ብዝኸዶ መንገዲ ኣይከይድን፡፡ "እናበለት ሃዲማ ከደት፡፡

5

እቲ ዓሻ ከልቢ ከምቲ ጐራሕ ድሙ ዝበለቶ ክገብር ናብ ሓደ ገዛ ኣትዩ፤ "ዝብላዕ እንተሃቡኒ ከምቲ እታ ድሙ ኛው! ኛው! እትብሎ ኣነ' ውን ክብል ኣለኒ" ብምባል "ውሕ! ውሕ! "በለ ፣ዓው ኢሉ፡፡

6

እቶም ሰብ ገዛ ደንጊፆም ብጉያ ነቲ ዓሻ ከልቢ ብበትሪ ቀጥቀጥዎ 'ሞ እናሓንከሰ ሃዲሙ ኣብ ሓደ በረኻ ኮፍ በለ፡፡" እዛ ሰንካም ድሙ ተፃዊታትለይ "እናበለ ብሕርቃን ፤ "እርከን ጥራሕ! ክልተ ኩላሶ እየ ዝገብራ" በለ ፣ እቲ ዓሻ ከልቢ፡፡

7

ድሕሪ ግዘ ሓደ መዓልቲ እታ ጐራሕ ድሙ ካብ ገዛ ወፂኣ ክትሸይን እንትትከይድ ፤ እቲ ዓሻ ከልቢ ኣዘንጊዑ ጎቢጡ ሓዛ ፡፡ "ንስኺ ዓሻ ጌርክኒ ኣብ ቅድሚ ሰባት ውሕ! ውሕ! ኣቢልኪ ክተቐጥቅጥኒ፤ ሎምዓንትስ ኣይምሕረክን! ክበልዓኪ እየ፡፡"በላ፣ እቲ ዓሻ ከልቢ፡፡

8

ወያ ጐራሕ ድሙ ፣ "ስማዕ ከልቢ ክትበልዓኒ እንተደሊኻ ከምቲ ኣነ ንኣንጭዋ ሒዘ ንእሽተይ ኣፃዊተ ዝበልዓ ፤ ንስኻ'ውን ኣፃዊትካ ብልዓኒ ፡፡ ሕዚ ሒዝካ ሕዚ ክትበልዓኒ ፅቡቕ ኣይኮነን ዝሓወይ" በለቶ ፡፡

9

እቲ ዓሻ ከልቢ ፣ "ከመይ ጌርኪ ዲኺ ንኣንጭዋ ኣፃዊትኪ ትበልዕያ?" ኢሉ ሓተታ፡፡ "ኣነ ደኣ ማዕረ ፅላሎተይ ነታ ኣንጭዋ ይሰዳ እሞ ሓደ፣ ክልተ ፣ ሰለስተ ኢልኪ ቁፀሪ ይብላ፡፡ ንሳ ድማ ሓደ፣ ክልተ፣ ሰለስተ ክትብል እንተላ ጉብጥ ኣቢለ ይሕዛ ፡፡" በለቶ፣ እታ ጐራሕ ድሙ፡፡

10

ወዮ ዓሻ ከልቢ ፣ ነታ ድ ሙ ስድድ ኣቢሉ "በሊ ሕዚ ቁፀሪ" በላ፡፡ እታ ጐራሕ ድሙ ኸዓ ዘሎን ዘየሎን ሓይላ ተጠቒማ ሃዲማ ናብ ኦም ደየበት ወዮ ዓሻ ክልቢ ፣"ንዒ እባ ሓደ ፣ ክልተ፣ ሰለስተ ኢልኪ ቁፀሪ" በላ፡፡

11

እታ ጐራሕ ድሙ ፣" ስማዕ ከልቢ ኣነ ድሙ ዋዛ ጌርካኒ ንዓይ ክትበልዕ? ድሕሪ ደጊም ሚኢቲ ፣ ሽሕ፣ ሚልዮን እናበልካ ቁፅር እንተትውዕል እውን እይትረኽበንን ኢኻ፡፡" ኢላ እናስሓቐት ናብ ገዝኣ ከደት ይባሃል፡፡

12
You are free to download, copy, translate or adapt this story and use the illustrations as long as you attribute in the following way:
ጐራሕ ድሙን ዓሻ ከልብን
Author - Solomon Abreha, Teki'a Gebrehiwot
Illustration - Salim Kasamba
Language - Tigrigna
Level - First paragraphs