ቅርስስቲ መዓልቲ
Richard Khadambi
Abraham Muzee

ኣነን በርሀ ዓርከይን ካብ ቤት ትምህርቲ ንገዛና ንኸድ ነበርና።

1

ሓደ መዓልቲ ሓደ ሰብኣይ ደድሕሬና ይኽተለና ነበረ።

2

ኣስናኑ ቡናዊ እዩ ነይሩ። ኣብ ገፁ ፈፀጋ ነይርዎ።

3

ምልስ ኢልና ምስርኣናዮ፣ ተቖጢዑ ኮረየልና።

4

ንዓይ ናብ ሽፍንቲ መኪና ሰንደውኒ።

5

በርሀ ዓርከይ ጎይዩ ኣምለጠ።

6

ኢደይ ኣሲሮም ናብ ፀልማት ገዛ ኣእትዮምኒ።

7

“ነዊሕ ጉዕዞ ስለ ንኸይድ፣ እዚ ምግቢ ብላዕ” በለኒ ሓደ ሰብኣይ።

8

ኣነ እናበላዕኹ እቲ ሰብኣይ ሽጋራ የትክኽ ነይሩ።

9

ሃንደበት ካሊእ ሰብኣይ ንበርሀ ዓርከይ እናጎተቶ መፀ።

10

ኣብቲ ካሊእ ክፍሊ እቶም ሰብኡት እናተኻትዑን እናተጓየቑን ንሰምዖም ነይርና።

11

“ቤተሰብና ኣይኸፍልዎምን፣ ጎይና ነምልጥ” በለኒ በርሀ።

12

ብርሃን ክሳብ ንርኢ ንቲ ዓንደ-ገመል ካብ እቲ መስኮት ነቐልናዮ።

13

በርሀ በቲ መስኮት ወፅዩ ዝረድኣና ሰብ ደለየ።

14

እቶም ሰባት እናሸኮሉ መፁ። እቲ መራሒኦም ብጣዕሚ ሓረቐ።

15

ናብቲ ካሊእ ክፍሊ ተመሊሶም ክትዖም ቀፀሉ።

16

“ኣይትፍራሕ፣ ፖሊሳት ኣለው ኣብዚ” ዝብል ድምፂ ሰማዕኹ።

17

ይጨኻጨኹ ነይሮም፤ ተኹሲ ጥይት እውን ይሰምዕ ነይረ።

18

ሓንቲ ፖሊስ “ኩሉ ነገር ኣብቂዑ ኣሎ። ሕዚ ድሕነትካ ሕልው እዩ” በለትኒ።

19

ድሕሪ እዛ ምዓልቲ ኣነን በርሀ ዓርከይን ምስተጠንቐቕና ኢና።

20
You are free to download, copy, translate or adapt this story and use the illustrations as long as you attribute in the following way:
ቅርስስቲ መዓልቲ
Author - Richard Khadambi, Collins Kipkirui
Translation - Angesom Abadi
Illustration - Abraham Muzee
Language - Tigrigna
Level - First words