ሓርገፅን ከልብን
Candiru Enzikuru Mary
Rob Owen

ሓደ መዓልቲ፣ ከልቢ ኣብ ደንደስ ሩባ እንቛቕሖ ረኺቡ።

1

ከልቢ ዓሰርተ እንቛቕሖ ኣልዒሉ ኣብ ሻንጥኡ ኣቐመጠ።

2

ከልቢ ነተን እንቛቕሖ እናሞቐ ተንከባኸበን ።

3

“እንቛቕሖ ኣይርኣኻን?” ኢላ ሓርገፅ ንከልቢ ሓተተቶ።

4

ሓርገፅ ብዛዕባ እንቛቕሖኣ ንኹሎም እንስሳታት ሓተተት።

5

ድሓር እቶም እንቛቕሖ ሓደ ብሓደ ተጫጪሖም።

6

ከልቢ ነቶም ኣናእሽቲ ሓርገፃት እኹል ምግቢ ክህቦም ኣይክኣለን።

7

ሓደ መዓልቲ፣ ሓርገፅ ሓጎጭጎጭ ዝብል ናይ ኣናእሽቲ ሓርገፃት ከብዲ ሰምዐት።

8

ሓርገፅ ናብ ውሽጢ ኣትያ ንከልቢ ብጭርኣ ወቒዓቶ።

9

ሓርገፅ ንከልቢ እናተኸተለት ኣጓየየቶ።

10

ከልቢ ጠጠው ኢሉ ንሓርገፅ "ይቕረታ ግበርለይ" በላ።

11

ሓርገፅ ይቕረ ኢላቶ ምስ ደቃ ናብ ምሕምባሳ ኣተወት።

12
You are free to download, copy, translate or adapt this story and use the illustrations as long as you attribute in the following way:
ሓርገፅን ከልብን
Author - Candiru Enzikuru Mary
Translation - Angesom Abadi
Illustration - Rob Owen
Language - Tigrigna
Level - First words