ለታይን ዝብእን
Gaspah Juma
Jesse Breytenbach

ምዝራብ ብጣዕሚ ትፈቱ ለታይ ትብሃል ጓል ነይራ።

1

ሓደ መዓልቲ፣ ናይ ለታይ ሓትኖ ሓሚማ።

2

ሽዑ ምሸት፣ ለታይ ናብ ዝሓመመት ሓትኖኣ ምግቢ ተብፅሕ ነይራ።

3

ለታይ ኣብ መንገዲ ናብ ሰብ ዝተቐየረ ዝብኢ ረኸበት።

4

ለታይ ን ዝብኢ “ስጋ፣ እንቛቕሖን ፀባን ሒዘ ኣለኹ” በለቶ።

5

ዝብኢ ብዛዕባ ስጋ ምስ ሰምዐ ከናፍሩ ልሓሰ።

6

ዝብኢ ንለታይ ቐዲምዋ ናብ እንዳ ሓትንኣ ጎየየ።

7

ንሓትንኣ ንለታይ ወሓጣ። ኮበርታ ተኸዲኑ ደቐሰ።

8

ለታይ ምስ መፀት “ሓትነይ ኣበይ ኣለኺ?” በለት።

9

ለታይ ሓደ ዓብይ ኮበርታ ተኸዲኑ ዝደቐሰ ሰብ ርኣየት።

10

“ሓትነይ ሎምዓንቲ እንታይ እዩ እዝንኺ ገጂፉ?” በለት ለታይ።

11

“ሓትነይ እንታይ እዩ ዓይንኺ ገጂፉ?” በለት።

12

“ሓትነይ እንታይ እዩ ኣፍኪ ሰፊሑ?” እናበለት እቲ ዝብኢ ወሓጣ።

13

ለታይ ተዋሒጣ ኣብ ውሽጢ ከብዲ እቲ ዝብኢ እንተላ እውን ሕቶኣ ቐፀለት።

14

እቲ ዝብኢ ብናይ ለታይ ሕቶ ምስሰልከየ እንቱፍ በላ።

15

ንለታይን ሓትንኣን ናይቲ ከባቢኤን ሰባት ኣድሓንወን።

16
You are free to download, copy, translate or adapt this story and use the illustrations as long as you attribute in the following way:
ለታይን ዝብእን
Author - Gaspah Juma
Translation - Angesom Abadi
Illustration - Jesse Breytenbach
Language - Tigrigna
Level - First words