እናሓጎይ፣ ማንቲለን ሓርማዝን
Mutai Chepkoech
Marleen Visser

እናሓጎይ “ማንቲለን ሓርማዝን ቐደም ጎረቤትን ኣዕርኽትን እዮም ነይሮም” ኢላ ጀመረት።

1

ማንቲለ ቅንጥሻራ ብጣዕሚ ይፈቱ፣ ማሕረስ ግን ዘይፈቱ ሰነፍ እዩ ነይሩ።

2

ማንቲለ ቅንጥሻራ ስለዘይነበሮ፣ ካብ ሓርማዝ በናና ምስራቕ ጀሚሩ።

3

ሓርማዝ “ክረኽቦ እየ እቲ ሌባ” እናበለ ደሪፉ። ማንቲለ ድማ ፈሪሑ።

4

ህበይ እቲ ሕርሻ ምሕላው ጀሚራ ፤ ማንቲለ ግን ኣይሰረቐን።

5

ሓርማዝ ከፃሪ ናብ ሕርሸኡ ከይዱ። ማንቲለ ኣብ ቖፅሊ ዱባ ተሓቢኡ።

6

ሓርማዝ ኣብ ኩሉ ኣንፈት ደልዩ ፤ እቲ ሌባ ግን ክረኽቦ ኣይክኣለን።

7

ካሊእ ግዜ፣ ማንቲለ ኣብ ውሽጢ ዓብይ ዱባ ተሓብአ።

8

ሓርማዝ ነቲ ዓብይ ዱባ ምስ ርኣዮ ወሓጦ።

9

እቲ ዱባ ኣብ ውሽጢ ከብዲ ሓርማዝ ተገላበጠ።

10

ሓርማዝ ነቲ ዱባ እንትፍ ኢልዎ። ማንቲለ ድማ ጎይዩ ኣምለጠ።

11

እናሓጎይ “እዚ ናይቲ ነበረያነበረ መወዳእታ እዩ” በለትና።

12
You are free to download, copy, translate or adapt this story and use the illustrations as long as you attribute in the following way:
እናሓጎይ፣ ማንቲለን ሓርማዝን
Author - Mutai Chepkoech
Translation - Angesom Abadi
Illustration - Marleen Visser
Language - Tigrigna
Level - First words