ኣንጭዋን ድሙን
Merga Debelo
Jacob Kono

ቐደም፣ እንዳ ድሙን እንዳ ኣንጭዋን ኣዕርኽቲ እዮም ነይሮም።

1

ድሕሪ ግዜ፣ እንዳ ኣንጭዋ ኣዝማድ ክጠፍእዎም ጀመሩ።

2

ሽማግለ ኣንጭዋ “ደማሙ እዮም ዝበልዑና ዘለው” በለት።

3

ኣዴታት ንደቀን “ተጠንቐቁ ፤ ንደገ ከይትወፁ” ኢለን ነገራ።

4

ኩሎም ኣናፁ ድማ ይጥንቀቑ ነበሩ። ኩሎም ድማ ካብ ጉድጓዶም ኣይወፁን።

5

እቶም ዝጠመዩ ደማሙ “ኣበይ ኣለው እዞም ኩሎም ኣናፁ?” በሉ።

6

እቶም ደማሙ ንኣንጭዋታት ክጥይቕዎምን መርዓ ከዳልውን ወሰኑ።

7

ከምዚ ድማ በሉ፣ “ሓንቲ ጓልኩም ምስ ሓደ ወድና ነመርዕዎም?”

8

እቶም ኣናፁ ነቶም ደማሙ “ክትበልዑና ኢኹም ደሊኹም” በልዎም።

9

ደሓር ግን እቲ መርዓ ክካየድ እንዳ ድሙን እንዳ ኣንጭዋን ተሰማምዑ።

10

እቶም ደማሙ እናተሓጎሱ፣ ከንፈሮም እናላሓሱ ንገዝኦም ከይዶም።

11

ኣብቲ መርዓ መዓልቲ፣ እቶም ኣናፁ ተጠንቂቖም እዮም ነይሮም።

12

እቶም ደማሙ ናይ መርዓ ደርፊ እናደረፉ መፁ።

13

እቲ ደርፊ “ሒዝኩም ብልዕዎም!” ዝብል እዩ ነይሩ።

14

እታ ሽማግለ ኣንጭዋ ድማ “ጉየዩ ኣናፁ፣ ጉየዩ!” ኢላ ደረፈት።

15

እታ ሽማግለ ኣንጭዋ “በዚ ሕዚ ኣዕርኽቲ ኣይኮናን” ኢላ ንደማሙ ነገረቶም።

16
You are free to download, copy, translate or adapt this story and use the illustrations as long as you attribute in the following way:
ኣንጭዋን ድሙን
Author - Merga Debelo, Elizabeth Laird
Translation - Angesom Abadi
Illustration - Jacob Kono
Language - Tigrigna
Level - First words