ትርሓስ - ኾኸብ ተፃዋቲት እግሪ ኩዕሶ
Eden Daniels
Eden Daniels

ትርሓስ ደቂ ተባዕትዮ ኩዕሶ እግሪ ክፃወቱ ሪኣ፤ ናብኣቶም ተሓዊሳ ክትፃወት ደልያ፡፡ ምስአቶም ተሓዊሳ ክትለማመድ ትክእል እንተኾይና ድማ ነቲ ኣሰልጣኒ ሓቲታቶ፡፡

1

እቲ አሰልጣኒ አእዳው አብ ሽምጡ ገይሩ፡፡ ''አብዚ ቤት ትምህርቲ ፀወታ እግሪ ኩዕሶ ንደቂ ተባዕትዮ ጥራሕ እዩ ክፃወቱ ተፈቂዱ'' ኢሉ መለሰላ፡፡

2

እቶም ደቂ ተባዕትዮ ንዓአ መርበብ ኩዕሶ ኸይዳ ንክትፃወት ነጊሮማ፡፡ ከምዚ እውን ኢሎም መርበብ ኩዕሶ ንደቂ ኣንስትዮ እግሪ ኩዕሶ ድማ ንደቂ ተባዕትዮ እዩ ምስበልዋ ትርሓስ ሓሪቃ፡፡

3

 ኣብቲ ካልአይ መዓንቲ፤ እቲ ቤት ትምህርቲ ከቢድ ውድድር ፀወታ እግሪ ኩዕሶ ነይርዎ፡፡ እቲ አሰልጣኒ አብዚ ውድድር ብጣዕሚ እዩ ሓዚኑ ነይሩ ምክንያቱ ድማ እቲ ብሉፅ ተፃወቲኡ ብምሕማሙ፡፡.

4

ትርሓስ ናብቲ አሰልጣኒ ብፍጥነት ከይዳ ንኽትፃወት ንክፈቅደላ ለሚናቶ፡፡ እቲ አሰልጣኒ እንታይ ከም ዝውስን ርግፀኛ ኣይነበረን፡፡ ደሓር ግን ትርሓስ ናብቲ ቡድን ተሓዊሳ ንኽትፃወት ፈቂዱላ፡፡

5

እቲ ፀወታ ከቢድ ብምንባሩ ክሳብ ጊዜ ዕረፍቲ ምንም ጎል (ሽቶ) ክምዝገብ ኣይክአለን ነይሩ፡፡

6

ካብ ዕረፍቲ መልሲ ሓደ ተፃዋቲ እታ ኩዕሶ ናብ ትርሓስ ኣሕሊፍ ሂብዋ፡፡ ንሳ ብፍጥትን ናብ ጎል ገፅ ብምሕላፍ ብሓይሊ ብምውቃዕ ሽቶ አመዝጊባ፡፡

7

እቶም ተመልከቲ ወሰን ዘይብሉ ሓጎስ ተሰመዖም፤ ካብዚ ዕለት ጀሚሩ አብቲ ቤት ትምህርቲ ንደቂ ኣንስትዮ ፀወታ እግሪ ኩዕሶ ተፈቂዱ፡፡

8
You are free to download, copy, translate or adapt this story and use the illustrations as long as you attribute in the following way:
ትርሓስ - ኾኸብ ተፃዋቲት እግሪ ኩዕሶ
Author - Eden Daniels
Translation - ኣንገሶም ኣባዲ፣ ጎይትኦም ከበደ
Illustration - Eden Daniels
Language - Tigrigna
Level - First sentences